ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ ናይ ዕርቅን ናይ መሰጋገሪ መንግስትን ክጣየሽ' ኣብሮነት ጸዊዑ


ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ ናይ ዕርቅን ናይ መሰጋገሪ መንግስትን ክጣየሽ “ኣብሮነት” ዝተባህለ ናይ ሰለስተ ፖለቲካዊ ውድባት ጥምረት ፀዊዑ።ቦርድ ምርጫ ወሳኒ ኣካል ኣነ እየ ስለዝበለ ጥራይ ክኸውን የብሉን ዝበለ እቲ ጥምረት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ብሕጊ ዝተውሃቦ ሓላፍነትን ግቡእን ንምፍጻም ፍቓድ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣይድልዮን ኢሉ’ሎ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብናይ ኢትዮጵያዊያን ዴሞክራሲያዊያን ፓርቲ/ኢዴፓ/፤ህብር ኢትዮጵያ ፓርትን ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምንቅስቓስን ብዝተባህሉ ውድባት ዝተጣየሸ “ኣብሮነት ናይ ኢትዮጵያ ፌደራልዊ ሓድነት’’ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ “ቐዳምነት ንሃገራዊ ድሕንነት” ኢሉ’ሎ።

ኣቶ ልደቱ ኣያሌው እዚ ምስ ህልውና ሃገር ዝተኣሳሰር ምርጫ መዓስ ይካየድ ዝብል መንግስትን ፖለቲካዊ ውድባትን ኮፍ ኢሎም ክዘራረቡን ክደራደሩን ኣለዎም ኢሎም ።

“ዝውሰን ዘለዎ በዚ መልክዕ ክኸውን ኣለዎ እምበር ሓደ ቦርድ ምርጫ ዝተብሃለ ኣካል ተላዒሉ ጉዳይ ምርጫ ዝምልከቶ ኣነ ጥራሕ እየ ኢሉ ዝውስኖ ነገር የለን።ምኽንያቱ ሃገርና ኣብ ዝተፈለየ ኩነታት እያ ትርከብ።”

ናይቲ ሓዱሽ ጥምረት መራሒ ኣቶ ይልቃል ጌትነት እውን እታ ሃገር ዘላትሉ ኩነታት ክገልፁ ከለው 86 ሰባት ክቕተሉ ከለው፣ኣብያተ ክርስቲያንን መስጊድን ክቃፀል፣ተማሃሮ ክጭወዩ፣ዩኒቨርሲቲታት እናተዓፀው፣ካብ 35 ሽሕ- 40 ሽሕ ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ከቋርፁ ከለው፣ክልላት 1600 ገበነኛታት ኣይንህብን ኢሉ እናቕበፁ ናይታ ሃገር ፖለቲካ ሕክምና ዘድልዮ ስለዝኾነ ክንረዳዳእ ኣለና ኢሎም።

ምኽትል ኣቦ ወንበር ኮምሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣቶ ውብሸት ኣየለ ብወገኖም ቦርድ ምርጫ ብሕጊ ዝተውሃቦ ስልጣንን ሓላፍነትን ንምፍፃም ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ፍቓድ ኣየድልዮን ኢሎም።

“በብሓሙሽተ ዓመት ምርጫ ምክያዱ ቦርድ ምርጫ ነዚ ዘፈፅም ምዃኑ ካብ ዝኾነ ይኹን ፍቓድ ክረክብ የብሉን።እቲ ሕጊ ባዕሉ እኹል እዩ።ቦርድ ምርጫ ሕጊ ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ኣለዎ።ዝተመስረተሉ እውን ንኻልእ ዘይኮነስ ነዚ ጉዳይ እዩ።”

ኣቶ ውብሸት ወሲኾም ናይቲ ምርጫ ፕሮግራም ኣብ ምውሳን ናይ መወዳእታ ሓላፍነት ናይቲ ቦርድ እዩ እውን ኢሎም ።ምርጫ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዝካየድ ምኽክር ከምዝቕፅል እውን ሓቢሮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG