ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ምልክት ኮሮና ቫይረስ ተራእዩሎም ተባሂሉ ካብ ዝተመርመሩ 576 ሰባት እቶም 555 ናጻ ኮይኖም


ኣብ ኢትዮጵያ ምልክት ኮቪድ-19 ተራእይዎም ኣሎ ተባሂሎም መርመራ ካብ ሞንጎ ዝተገበረሎም 576 ጥርጡራት ሰባት እቶም 555 ካብ‘ቲ ቫይረስ ናጻ ኮይኖም ከምዝተረኸቡ፣ ውጽኢት መርመራ እቶም ዝተረፉ 9 ንምርካብ ትጽቢት ይግበር ከምዘሎ ትካል ጥዕና’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገን -ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰረት ብደረጃ ኣብያተ ዕዮ ዝወጹ መምርሕታት ፣ ዝተፈላለዩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሎሚ ካብ ኣባይቶም ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝጀመሩ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ወ/ሪት ቢልለኔ ስዮም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጻ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG