ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ናይ ዝዋፈር ኩባንያ ተለኮም ወግዓዊ ናይ ምፍርራም ስነ-ስርዓት ተፈጺሙ


ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ናይ ኬንያ ፕረዚደንት ኡሁሩ ከንያታን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ናይ ዝዋፈር ኩባንያ ተለኮም ወግዓዊ ናይ ምፍርራም ስነ-ስርዓት ተፈጺሙ። እቲ ስምምዕ ፍቓድ ስራሕ ምሃብ`ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብቲ እዋንሓድሽ ኣገልግሎት ተለኮም ናብ ኢትዮጵያምእታው ኣብ ኩሉ ጽላታት ምብርባር ክፈጥር'ዩ ኢሉ::

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ተለኮም ዝፍጠር ውድድር ናይ ኢትዮጵያ ዲጂታላይዘሽን ብምቅልጣፍ ኣብ ሕርሻ: ትምህርቲ: ጥዕና: ፋይናንስ: መጉዓዝያን ካልኦትን ልዑል ዕብየት ሒዙ`ዩ ዝመጽእ ኢሉ ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፋና ነቲ ስምምዕ ዝፈረመ፡ ዓለም-ለኸ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጽላል ዝጥርነፉ ሳፋሪ-ኮም ቮዳኮምን ሱሚቶሞ ዝተባህሉ ኩባንያታት ዝሓቖፈ`ዩ።

XS
SM
MD
LG