ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ሃብቶም ወግዓዊ ዘይገበሩ 164 ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ክውዕሉ ተወሲኑ


ኣብ ኢትዮጵያ ሃብቶም ወግዓዊ ዘይገበሩ 164 ሰበስልጣን መንግስቲ

ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ክውዕሉ ምውሳኑ ኮምሽን ስነ ምግባርን ፀረ ብልሽውና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኮሚሽን ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ምፍላጥን ምምዝጋብን ሃብቲ ኣቶ መስፍን በላይነህ ከምዝገለፁዎ ኣብ ቀይዲ ክኣትው ዝተወሰኖም ሰበስልጣን መጠን ሃብቶም ከመዝግቡ ክሳብ 30 ሰነ 2012 ናይ ግዜ ደረት ተቐሚጥሎም ከፍልጡ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም እዩ ኢሎም

ኣቶ መስፍንሽም ናይቶም ሰበስልጣን ኣይተገለፀን፤ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ፌደራልን ዝተሸሙ ምዃኖም ግን ሓቢሮም ኣለው ። ዝርዝር ሽም ናይቶም ሰበስልጣንን ደረጃ ሓላፍነቶም 20 ነሓሰ 2012 \ ናብ ፌደራል ፖሊስ ከምዝተልኣኸው ወሲኾም ገሊፆም

XS
SM
MD
LG