ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢራን ኣንጻር መሸፈኒ ርእሲ ዝቐንዓ ተቓውሞ ምቕጻሉ ይግለጽ ኣሎ


ንኩነታት ሞት ኩርዳዊት ኢራናዊት ማሕሻ ኣሚኒ ዝቃወሙ ሰልፍታት ኣብ ከተማታት ኢራን ቀጺሉ`ሎ። እታ ጓል 22 ዓመት ጓለንስተይቲ ዘይቕኑዕ ኣከዳድና ናይ ርእሲ መሸፈኒ ተኸዲንኪ ብዝብል ብናይ ስነ-ምግባር ፖሊስ ምስ ተኣስረት`ያ ሞታ ተሰሚዑ።

እቲ ኣብ ኢራን ዝካየደ ዘሎ ሰልፊ፡ ደቀንስትዮ ፍሉጣት ሰባት ከምኡ`ውን ኢራናውያን ተወሳእቲ ከይተረፈ ዝተሳተፍኦ ኮይኑ፡ ደቀንስትዮ ተቓውሞአን ንምግላጽ ናይ ርእሰን መሸፈኒ ኣልጊሰን ገሊኣን ድማ ጸጉረን ቆሪጸን።

እቲ ሰልፊ ኣብ ዋና ከተማ ቴህራን ወሲኽካ ብውሕዱ ኣብ 46 ከተማታት ከም ዝተኻየደ ይግለጽ ኣሎ፡ ንነዊሕ ዓመታት ዘይተራእየ ግጭት`ውን ምስ ፖሊስ ተኻይዱ ኔሩ። ብመሰረት ተለቪዥን ኢራን፡ እቲ ሰልፊ ዝሓለፈ መስከረም 17 ካብ ዝጅምር፡ 41 ተሰልፍትን ፖሊስን ሞይቶም ኣለዉ።

እቲ ንቕትለት`ታ ኢራናዊት ጓለንስተይቲ ዝቃወም ሰልፍታት ኣብ ኤውሮጳ ኣመሪካን ገለ ክፋላት ማእከላይ ምብራቕን'ውን ልሒሙ`ዩ።

XS
SM
MD
LG