ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ኢራን ብድምሩ 516 ዜጋታት ተቐቲሎም” ተሓላቒ ትካል


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብ ኢራን ካብ መስከረም ጀሚሩ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ዝለዓል ኣትሒዙ ዝተቐትሉ ዜጋታት 516 ምብጻሖም ጸብጺቡ። እቲ ብኣሕጽሮ ቃላት HRANA ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካል ከም ዝሕብሮ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ ዜጋታት እቶም 70 ህጻናት’ዮም።

እቲ ትካል ወሲኹ፡ እቲ ሰንሰለት ሰለማዊ ስልፍታት ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ 687 ተመሃሮ ዝርከቦም ኣስታት19-ሽሕ ዜጋታት ተኣሲሮም።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ዝጀመረ ማዕበል ሰላማዊ ሰልፍታት ጓል 22 ዓመት ማሃስ ኣሚኒ ብጉድለት ስነ-ምግባር ብዝብል ክሲ ተኣሲራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምማታ’ዩ።

XS
SM
MD
LG