ዋሽንግተን —
ኣብ ኢራን ዕጡቓት ኣብ ሓደ መስጊድ ሽዓ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ብውሕዱ 15 ሰባት ክሞቱ ከለዉ ልዕሊ 40 ቆሲሎም ክብል ወግዓዊ ሓበሬታ መንግስቲ ይሕብር።
እቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ከተማ ሺራዝ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ መሓውራት ዜና መንግስቲ ኢራን ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኢለንኦ ኣለዋ፡ ክልተ ተጠርጠርቲ ከምዝተታሕዙ`ውን ተጠቒሱ`ሎ። ዳዕሽ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸምኩ ባዕለይ`የ ኢሉ`ሎ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ድማ ን40 መዓልቲ ሞት ማሕሻ ኣሚኒ ምኽንያት ዝገበረ ሰልፍታት ኣብ ኢራን ይካየድ ኔሩ`ዩ።
ኣሚኒ፡ ዘይእርኑብ ኣከዳድና ተኸዲንኪ ተባሂላ ብፖሊስ ስነ ምግባር ድሕሪ ምእሳራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብድኻም ልቢ ከም ዝሞተት`ዩ መንግስቲ ኢራን ዝገልጽ: ስድራቤታን ተሓለቕትን ግን ዝኾነ ጸገም ኣይነበራን ብዝብል ምርመራ ክግበር ይሓቱ።
ንኩነታት ኣማውታኣ ዝቃወም ሰልፍታት ካብ ዝካየድ ጀሚሩ ዛጊት ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።