ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ አዲስ አበባ ብዘጋጠመ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ 98 ሰባት ቆሲሎም፡ዝሞተ ሰብ ግን የለን" ኮሚሽነር ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል


ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ ብዘጋጠመ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ 98 ሰባት ምቁሳሎም ዝሞተ ሰብ ግን ከምዘየለ ኮሚሽን ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል ንድምጺ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም። ካብቶም ዝቖሰሉ 15 ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ምኳኑ በተወሳኺ ተፈሊጡ'ሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ንዘተአታትውዎ ዘለው ለውጢ ንምድጋፍ ሎሚ አብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ሰልፊ ካብ ዝተሓባበሩ ሓደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ አምቦ መምህር ዝኾነ ስዩም ተሾመ “ ኣብቲ መድረኽ ስለዝነበርኩ ቁሩብ ነገራት ክርእይ ክኢለ እየ። ቅድሚ’ቲ ፍንጀራ ቁሩብ ዕግርግር ኔሩ” ድሕሪ ምባል ድሒሩ ኣብ ናይ ፖሊስ መኪና ዝተጻወዱ ነታጊ ከምዝተረኽበ'ውን ሓቢሮም።

ንቀ/ሚ አብይ አሕመድ ድጋፍ ንምሃብ አብ ዝተኻየደ ሰልፊ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ ተፈጺሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:50 0:00

እቶም ፖሊስ ኮሚሽነር ብተወሳኺ ብምክንያት’ቲ ፍንጀራ ዝሰዓበ ምድፍፋዕን ምርግጋጽን ሓደጋ ዝበጽሖም ሰባት ከምዘለው ገሊጾም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ ካብቶም ዝቖሰሉ ሰባት 57 ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጥቁር አንበሳ ሆስፒታል አገልግሎት ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢሮም።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

ኣብዚኣ'ሞ

መገሻ ፕረ. ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG