ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ አዲስ አበባ ከባቢኣን ዝተፈጥሩ ግጭታት ነጸብራቕ ብዙሓት ሕልኽላኽ ጸገማት’ዮም ክብሉ ገለ መራሕቲ ፖለቲካን ማሕበረሰብ ሓቢሮም


ሓደ ሓደ መራሕቲ ፖለቲካን ማሕበረሰብን ኣብ ቀረባ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ዝተፈጥሩ ዘሕዝኑ ተግባራት ነፀብራቕ ብዙሓት ሕልኽላኽ ፀገማት እዮም ኢሎም።

ነዚ ዝገለፁ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ቡራዩን ኣርባ ምንጭን ብዝተፈጥሩ ግጭታት ምኽንያት ብምግባር ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ሰለስተ ፍሉጣት ኢትዮጵያዊያን እዮም ።ናይ ቀደም ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ፓርቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዝነበሩ ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌ፣ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ከምኡ እውን ኣባል ኮሚቴ ደላይ ፍትሒ ፀገማት ሙስሊም ኢትዮጵያዊያን ኣቶ ኣሕመድን ጀበል እዮም።

ንሶም ብተወሳኺ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታቱ ኣብ ምሕላው ዝበለፀ ክሰርሕ ዘለዎ እንተኾነ እውን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምኽባር ዓብይ ጥንቃቐ ከግብር ኣለዎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG