ንህወሓት ብምድጋፍን ህወከት ንምልዕዓልን ምድላው ብምግባር ዝተጠርጠሩ 325 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዘእተወ ፖሊስ ኮሚሽን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት`ታ ሃገርን፡ ተወላዶ ትግራይ ብዘይ ኣገባብ ይእሰሩን ኣብያተ ንግዶም ይዕጾን ኣሎ ኢሉ ኔሩ`ዩ። ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ኣብ ገዛውቲን ኣብያተ ንግድን ተጠርጠርቲ ብዝተገብረ ፍተሻ፡ ዝተፈላለዩ ኣጽዋራት ብረት ከም ዝተታሕዘ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ስጉምቲ ምስ ብሄር ዝተተሓሓዘ ኣይኮነን ኢሉ።
እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ትግራይ`ውን፡ ናይ ህወሓት ተቓወምቲ ኢኹም ተባሂሎም ዝተቐትሉ ንጹሃን ሰባት ከም ከምዘለዉ መረዳእታ ኣለኒ ኢሉ`ሎ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝበሎ መስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ይበፅሕ ዘሎ መጥቓዕትን ዘይሰብኣዊ ተግባራትን ኣመልኪቶም ዝወፁ ዘለዉ ሓበሬታታት ከምዘሻቀልዎ ምግላፁ ዝዝከር እዩ ።
እቲ ኮምሽን ኣብ መግለፂኡ ካብ ዝጠቀሶም ነጥብታት ንኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ፣ ምክልባትን ኣብያተ ንግድታት ምዕፃውን ዝኣምሰሉ ተግባራት ይፍፀሙ ምህላዎም ዝሕብሩ ፀብፃባት ከምዝበፅሕዎ ጠቒሱ: ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መግለፂ ዝሃበ ኮምሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፌደራል መንግስቲ ኣሸባሪ ክብል ንዝበየኖ ህወሓት ደገፍቱ እዮም ኢሉ ንዝጠርጠሮም 325 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓሎም ኣፍሊጡ።
ኮምሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ንቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ደገፍቲ ህወሓት እዮም ዝበልዎም ውልቀሰባት ኣብታ ከተማ ናዕቢ ንምልዕዓል ምንቅስቃሳት ምጅማሮም ድሕሪ ምግላጽ ፖሊስ መፅናዕቲ ዝተገብረሉ ስጉምቲ ይወስድ ምህላዉ ተዛሪቦም ።
"ንሰራዊት ምክልኻል ስዒሮም ንኸተማ መቀለ ከምዝተቆፃፀርዋ ዘናፍስዎ ዘለዉ ሓሶታት መበገሲ ብምግባር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ደገፍቶም ፣ ተሓባበርቶምን ተለኣኣኽቶምን'ውን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማእከል ናዕብን ህውከትን ንምግባር ምንቅስቃስ ብምጅማሮም እዚ ድማ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣብ ዝተወሰነሉ ዕለት ምሸት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ሆቴላት ብሳዕስዒትን ሃይሃይታን ሕገመንግስትን ክብርን እዛ ሃገር ዝፃረሩ ፣ ክብሪ ባንዴራ እዛሃገር ዘዋድቁ ዘይሕጋዊ ተግባራት ክፍፅሙ ተራእዮም እዮም ። ነዚ መበገሲ ብምግባር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ ፌደራል ፖሊስን ፀጥታን ከምኡ'ውን ምስ መላእ ህዝብና ብምትሕብባር ኣብ መፅናዕቲ ዝተሞርከዘ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ንሰርሕ ኣለና ።"
ኣብ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ንግድን እቶም ተጠርጠርቲ ብዝተገብረ ተፍቲሽ ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት ከምዝተረኽቡ እቶም ኮምሽነር ገሊፆም።
" 126 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ሽጉጣት ፣ 918 ጠያይቲ ፣ 124 ካዝና ፣ 3 ክላሽ ፣390 ጠያይቲ ምስ 4 ካርታታት ከምኡ'ውን S-ksብኤግዚብትነት ተተሓሒዙ ኣሎ ። ምስዚኦም ተተሓሒዞም ኣልባሳት ፌደራል ፖሊስ፣መአረሚ ቦታታትን ሰራዊት ምክልካልን ኣብቶም ዝተፈተሹ ሆቴላትን ኣብያተ ንግድን ተረኺቦም መርመራ ይካየደሎም ኣሎ።"
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ኣብ ዘውፅእዎም መግለፅታት ግን ዝፍፀሙ ዘለዉ ማእሰርትን ዝዕፀዉ ዘለዉ ኣብያተ ንግድን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዘነፃፀረ እዩ ክብሉ ምግላፆም ዝዝከር እዩ ። ኮምሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ድማ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ንዝተጠርጠርዎ ገበን ድኣእምበር ንብሄር መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን ኢሎም።
እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ ተወለድቲ ትግራይ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ምእሳሮም ዝገልፅ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ምስ ህወሓት ርክብ ዘለዎም ንምዃኖምን ብዝሒ ቁፅሮም ብትኽክል ንምፍላጥ ናይ ምፅራይ ስራሕ የካይድ ምህላዉ ኣብቲ ኮምሽን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ርክባትን ወሃቢ ቃል እቲ ትካልን ኣሮን መዓሾ ንድምጺ ኣሜሪካ ምግላፆም ዝዝከር እዩ ። ነዚ ስዒቡ ካብ ፖሊስ ተወሰኽቲ ሓበሬታታት ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ።
እቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ወሲኹ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራን ተቃወምቲ ህወሓትን ኣብ ዝበልዎም ሲቪላውያን ስጉምትታት ቅትለትን ጭውያን ምፍፃሞም ሓበሬታታት ከምዝበፅሕዎ ዝገለፀ ኮይኑ ህወሓት ነዚ ኣመልኪቱ ዝበሎ የለን ።