ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ አዲስ አበባ ብዘጋጠመ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ ክልተ ሰባት ሞይቶም፡ ኣስታት 156 ድማ ቆሲሎም


ኣብ አዲስ አበባ ንቀ/ሚ አብይ አሕመድ ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብዘጋጠመ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ ክልተ ሰባት ሞይቶም፡ ኣስታት 150 ድማ ቆሲሎም።

ብመሰረት ካብ ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ እቶም ዝሞቱ ክልተ ሰባት ከቢድ ጉድኣት በጺሕዎም ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ክከታተሉ ዝጸንሑ ምኳኖም ሓቢሮም ኣለው።

ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር ጥዕና አቶ አሚር አማን ኣብ ዝለአኽዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ “ ሓደ ተወሳኺ ኢትዮጵያዊ ግዳይ ህይወቱ ብምስኣኑ ብጣዕሚ ይሓዝን” ኢሎም።

ሚንስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ኣስታት 40 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ከምዘለውን ሓሙሽተ ካብኦም ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ምኻኖም ሓቢሩ’ሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ዘተኣታትውዎ ዘለው ለውጢ ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ብቐዳም ዓብይ ሰልፊ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን እቲ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ ምግጣሙ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኾኑ መንእሰያት በቲ ናይ ቐዳም ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ ንዝተጎድኡ ወገናት ደም ለጊሶም።

እቶም መንእሰያት ኣብ ቀይሕ መስቀል አዲስ አበባ ኣቐዲሞም ናይ ምትእኽካብን ደም ምልጋስ መደብ እንተነበሮም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰምዖም ሓዘን ንምግላጽ እቲ ዝተለገሰ ደም በቲ ፍንጀራ ንዝተጎዱ ወገናት ክውዕል ከምዝወሰኑ ኣፍሊጦም።

XS
SM
MD
LG