አዲስ አበባ —
ኣብ አዲስ አበባ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ዝተባሃሉ ዝተባህሉ ተወላዶ ትግራይን ጋዜጠኛታትን ኣብ አዲስ አበባ ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ።
ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይትኡ ዝሃበሓደ ትግራዋይ መንእሰይ "ቀዳም ዩኒፎርም ብዘይለበሱ ፖሊስ ከምዝተኣሰረን ምሸት ከምዝተፈትሐን፣ እቶም ፖሊስ ምስ ጉጅለ ግብረ ሽብራ ተባሂሉ ዝተመደበ ህወሓት ትራኸብ ኢኻ ተባሂልካ ትጥርጠር ኢኻ ከምዝበልዎን" ጠቂሱ ኣሎ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ሓበሬታ ይከታተሎ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ተኸታተሉ::