ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ አዋሰንቲ ወረዳታት ኦሮምያን ቤንሻንጉልን ብዝተላዕለ ግጭት 6 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ምስ ቤንሻጉል ጉሙዝ ኣብ ዘዋስን ወረዳ ሃሮ ሊሙ ብዝተለዓለ ግጭት ካብ ዕጡቓትን ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ቤንሻንጉል ግሙዝን ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ።

እቶም ዝሞቱ ኣብ ቤንሻንጉል ግሙዝ ወረዳ ያሶ ነበርቲ ሰላምን ምርግጋእን ናይቲ ከባቢ ዘተኣማምን ብዘይምዃኑ ናብ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ሃሮ ሊሙ ይሃድሙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀሞም ሽሙ ክጥቀሰሉ ዘይደለየ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሩ።

25 ሕዳር 2011 ዓ/ም ገበን ተፈፂሙና ዝበለ እዚ ምስክር ኣሽማት መወቲ ዘርዚሩ’ሎ።ሰኚ፣ሰለሞን፣ኣያንቱ፣ደበላ ዝተብሃሉን ካልኦትን ብግፍዒ ተቐቲሎም ኣለው ይብል።

ነቲ ቕትለት ዝፈፅምዎ ሓይልታት ፀጥታ ቤንሻንጉል ምዃኖምን ብበሊሕ መሳርሕን ብረትን ከምዝፈፀምዎን ብምግላፅ ንሱ ግን ተሓቢኡ ከምዘምለጠ ሓቢሩ።እቲ ቅትለት ከምዝተፈፀመ ኣብ ወረዳ ሃሮ ሊሙ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ኣቶ ለሜሳ ገለታ ኣረጋጊፆምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG