ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ አዋሰንቲ ከባቢታት ክልል ቤንሻንጉልን ክልል ኦሮምያን ዳግማይ ብዝተላዕለ ግጭት ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ተዳወብቲ ከባቢታት ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ካማሺ ወረዳ በሎ ጂጋንፎኝን ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ዲጋን ዝሓለፈ ሓሙስ 8 ጥቅምቲ 2011 ዳግማይ ብዝተለዓለ ግጭት ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

ካብ ክልቲኦም ከባቢታት መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉን ነበርቲ እውን ካብ መነባብሮም ምዝባሎም ዝበጽሓና ሓበሬታ ይገልፅ።እቶም ነበርቲ ፌደራል መንግስቲ ዛጊት ስጉምቲ ዘይምውሳዱን ጣልቃ ክኣትውን ሓቲቶም ኣለው።

ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳርን ፀጥታን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኮማደር ኢዶሳ ጎሻ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብምርግጋፅ እቶም ዝሞቱ ካብ ክልቲኡ ወገን እዮም ኢሎም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን መንገዲ ስለዝተዓፀወ ነባሪ እቲ ዞባ ኣብ ዝዓበየ ማሕበራዊ ቅልውላው ወዲቖም ምህላዎምን ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG