ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ሙዚቃ ውድድር `ኣፍሪማ` ዝተሓጸያ ደርፍታት ኤርትራ


ብስነ-ጥበባውያን ዮናስ ምሕረትኣብ(ማይነስ)ን ሜሪ ዘርኣብሩክን ዝተደርፋ ደርፍታት ኣብ ናይጀርያ ብዝመደበሩ “ኣፊሪማ” ዝተባህለ ኣፍሪቃዊ ናይ ሙዚቃ ትካል ምስ ብሉጻት 12 ተሓጽዮም ኣለዉ።

ብመሰረት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪማ ዝርከብ ሓበረታ ”ኣፍሪማ” ማለት All Africa Music Awards ብሞያተኛታትን ኣብ ሙዚቃ እጀታ ዘለዎምን ኣህጉራዊ ኮሚቴ ዝምራሕ ኮይኑ፡፡ ዕላምኡ ፡ብሩህ መጻኢ፡ ፍስሃን ሓድነት ኣህጉር፡ ኣፍሪቃን ዘማዕዱ`ዩ። ሃብታም ኣፍሪቃዊ ክብርታትን ምዕቃብ ባህላዊ ሪማትን ይጽንብልን የተባብዕን ።

ብኣፍሪቃውያን ስነ፡ጥበባውያን ንዝፈረዩ ስራሓት ሙዚቃ ብምውድዳር ድማ ንብሉጽ ስርሓት ይሽልም።

ኮመድያን፡ሙዚቀኛ፡ደራስን ኣላይን ዮናስ ም/ኣብ (ማይነስ)ብርክት ዝበሉ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ዘበርከተን ብዘቕርቦም እዋናዊን ኣዘናጋዒን ናይ ኮመዲ ስርሓቱ ብብዙሓት ኣድናቖት ዝረኸበ ሓደ ካብ ኤርትራውያን ኮመድያን’ዩ።

ድምጻዊት፡ ደራሲትን ዘያሚትን መንእሰይ ስነጥበበኛ ሜሪ ዘርኣብሩኽ ክሳብ ሕጂ ኣርባዕት ንጽል ደርፍታትን ሓደ ኣልቡምን ዘፍረየት ሓንቲ ካብ ሓደስቲ መንእሰያት ስነ-ጥበባኛታት’ያ።ብእትቕርቦም ናይ እንግሊዝኛ ደርፍታት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጽቡቕ ተፈላጥነት ካብ ዝረኸቡ ድምጻውያን መንእሰያት ሓንቲ’ያ።

ምስ’ዞም ክልተ ስነ-ጥበባውያን ዝተገበረ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ሙዚቃ ውድድር `ኣፍሪማ` ዝተሓጸያ ደርፍታት ኤርትራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:14 0:00


ተዓወትቲ `ኣፍሪማ` ብድምጺ`ዮም ዝምረጹ፡ ኩሉ ድማ ብዓፍርዒምዓ ዓቻደምይ ኣብ ኦንላይን ጥራሕ`ዩ ዝካየድ።

ስነ፡ስርዓት ሽልማት`ቲ ዕለት ድማ ናብ ፰፬ ሃገራት ብተለቪዥን ብቐጥታ ከም ዝምሓላለፍ`ውን እቲ ትካል ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብ ዘረባና፡ ከም ኣካል ኣፍሪማ፡ “ዖኡር ቮኢቸ” ማለት ድምጽና ዝብል ፕሮጀክት`ውን የሰጉም`ዩ፡ ዕላምኡ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ንዘድልዮም ቆልዑት ኣፍሪቃ ምሕጋዝን ናይ ትምህርቲ ንቕሓት ንምብራኽን`ዩ። ኣፍሪማ ምስ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ `ውን ብሽርክነት ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ`ሎ። እዚ ድምጺ ኣመሪካ ` ዩ።

(0፡፴)

XS
SM
MD
LG