ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀርያ ጥሩፍ ጉጅለ ብዘኻየዶ መጥቓዕቲ 7 ሰባት ሞይቶም


ጥሩፍ ጉጅለ ቦኮ ሓራም መጥቓዕቲ ኣብ ዘካይደሉ እዋን ካብ ቪድዮ ዝተወስደ ምስሊ- ፋይል
ጥሩፍ ጉጅለ ቦኮ ሓራም መጥቓዕቲ ኣብ ዘካይደሉ እዋን ካብ ቪድዮ ዝተወስደ ምስሊ- ፋይል

እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ንሓንቲ ቁሸት ሰሜናዊት ግዝኣት ናይጀርያ ድሕሪ ምጥቃዕ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ምቕታሎም ነበርቲ'ቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ዝስማዕ ዘሎ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምስ ግዳያት ጀሃዳዊ ጎንጺ ንምርኻብ ኣብታ ግዝኣት ኣብ ዝነበረሉ እዋን`ዩ።

“ክንገብሮ ንኽእል ዝሓሸ ነገር፡ እቶም ተስፋ ቆሪጾም ኣሸበርቲ ዝኾኑ ሰባት ናብዚ ሕብረተሰብ ዳግም ተጸንቢሮም ኣብ ህይወት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣበርኽቶ ከምዝህልዎም ምግባር`ዩ" ኢሉ ጉተረዝ።

ንልዕሊ 10 ዓመታት ናይጀርያ ምስ ዕጡቓት ቦኮ ሓራም ኣብ ኩናት`ያ ጸኒሓ። ልዕሊ 35 ሺሕ ሰባት ከምዝሞቱን ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

XS
SM
MD
LG