ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀርያ ግዝኣት ዛምፋራ ብረት ንውልቀሰባት ክወሃብ'ዩ


ሰበስልጣን ክፍለ ግዝኣት ዛምፋራ ናይጀሪያ ነበርቲ ብረት ክዕጠቑ ፍቓድ ምሃብ ከምዝጅምሩ ኣፍሊጦም።እዚ ዘይተለመደ ስጉምቲ ነበርቲ ኣብ ፀገም ዝወደቐ ሰሜናዊ ክፋል ናይጀሪያ ንርእሶም ካብ ዕጡቓትን ዓመፅትን ክከላኸሉ ብረት ክውንኑ ዝፈቅድ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝተዓጠቑ ጉጅለታት ክሰርቁን ንገንዘብ ክብሉ ንሰብ ክጨውዩን ልሙድ እዩ።

ዕጡቓት ካዱና ኣብ ዝርከብሉ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ቀረባ ንሸሞንተ ሰባት ብምቕታል ንኣስታት 40 ሰባት ድማ ዓፊኖም ወሲዶም።

ሓይልታት ፀጥታ ናይጀሪያ እስላማዊያን ዓመፅቲ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ይፍፅምዎ ንዘለው መጥቓዕትታት ንምክልኻል ሓይሎም ተወጢሩ ይርከብ።

ኮሚሽነር ሓበሬታ ክፍለ ግዝኣት ዛምፋራ ኢብራሂም ዶሳራ ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ መዕቀኒታት ንዘማልኡ ንርእሶም ክከላኸሉ ን500 ሰባት ፍቓድ ብረት ክወሃብ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG