ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀርያ ኣብዚ ዓመት'ዚ ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ 300 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ሰበስልጣን ናይጀሪያ ካብ 2012 ጀሚሩ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዘጋጠመ ዝኸፍእ ውሕጅ ኣብዚ ሰሙን ዝሞቱ 20 ሰባት ሓዊሱ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 300 ሰባት ምሟቶም ገሊፆም።

ኣብ ሰሜን ምዕራብ ክፍለ ግዝኣት ጂጋዋ 91 ሰባት ምሟቶም ዝገለፀ ናይታ ክፍለ ግዝኣት ሓላፊ ኤጀንሲ ኣተሓሕዛ ሓደጋ ዩሱፍ ሳኒ ባቡራ እቲ ኩነታት ካብ ቁፅፅሮም ወፃኢ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ውሕጅ ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ሰሜን ናይጀሪያ ዝርከቡን ነታ ሃገር ቀለብ ዘፍርዩን ናይ ሕርሻ ቦታታት ኣዕኒዩ ኣሎ።እዚ ድማ ኣብ ሰሜን ምዕራብን ማእኽላይን ዞባታት እታ ሃገር ይካየድ ብዘሎ ዕጥቓዊ ግጭት ዝተዓናቐፈ ቀረብ መግቢ ከጋድዶ ከምዝኽእል ስኽፍታታት ፈጢሩ ኣሎ።

ካብ 36 ክፍለ ግዝኣታት ናይጀሪያ ኣብ 27 ክፍለ ግዝኣታትን ኣብ ዋና ከተማ እታ ሃገር ዘጋጠመ ውሕጅ ዝተመዛበሉ 100,000 ሰባት ሓዊሱ ንፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ከምዝሃሰየ ኤጀንሲ ኣተሓሕዛ ሓደጋ ናይጀሪያ ኣፍሊጡ ኣሎ።ልዕሊ 500 ሰባት በቲ ሓደጋ ምቑሳሎም እውን ኣሶሴትድ ፕረስ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG