ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀርያ ኣስታት 110 ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ይግለጽ'ሎ


ኣብ ናይጀርያ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብውሕዱ 110 ሰባት ምቕታሎም ተገሊጹ’ሎ ፥ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ኢስላማዊ ጽንፋውያን`ዮም ተሓተቲ ተባሂሉ`ሎ።

ሕቡራት ሃገራት`ውን ነቲ ዘስካሕክሕ ዝበሎ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ኮኒኑዎ`ሎ። ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓማዱ ቡሓሪ ድማ ሃገር ብምልእታ በዚ ጨካን ተግባራት ተጎዲኣ`ያ ኢሉ`ሎ። ንምዕራብ ኣፍሪቃ እስላማዊ ግዝኣት ንምግባር ዝዋግኡ ቦኮሓራም ዝተባህሉ ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ሞት ከስዕቡ ምጽንሖም ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።

XS
SM
MD
LG