ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀሪያ ተጨውየን ዝነበራ 279 ኣዋልድ  ተፈቲሓን


ኣብ ናይጀሪያ ተጨውየን ዝነበራ 279 ኣዋልድ ተማሃሮ ምፍትሓንን ድሕሪ ናይ ሕክምና ምርመራ ምስ ስድርአን ምጽንባረንን ተሓቢሩ።

ሓደ ያኩቡ ሳኒ ዝተባሃለ ወላዲናይ ውላዱ ድምፂ ብቴሌፎን ምስ ሰምዐ ዳግም ከምዝተወለደ ከምዝሪኦ ገሊፁ።

ፖሊስ ኮሚሽነር ኣቡቱ ያሮ እተን ኣዋልድ ሕጉሳትን ጥዕንአን እውን ምሉእን እዩ ኢሎም።ያሮ መንግስቲ ብዝገበሮ ፃዕሪ ክፍትሓ ምኽኣለን ሓቢሮም ኣለው።

ናይ ናይጀሪያ ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሓሪ መከርአን ብሰላማዊ ኣገባብ ምብቅዑ ታሕጓሶም ብቲዊተር ገሊፆም። ፕረዚደንት ቡሓሪ ወታሃደራዊ ሓይልን ፖሊስን ንጨወይቲ ይሃድኑዎም ከምዘለው ብምሕባር ምንቅስቓሳት ገበን ንምክልኻል ህዝቢ ሓበሬታ ክህብ ፀዊዖም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG