ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኒውዝላንድ ኣብ ክልተ መሳጊድ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ተኹሲ ኣስታት 50 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኒውዝላንድ ኣብ ክልተ መሳጊድ ኣብ ናይ ዓርቢ ጸሎት ኣብ ዝነበሩ ምእመናን ዝተፈፀመ ናይ ተኹሲ መጥቓዕቲ ኣስታት 50 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ብዙሓት ምቁሳሎም ተፈሊጡ’ሎ።

ቀዳመይቲ ሚንስትር’ታ ሃገር ጃሲንዳ ኣርደርን “ ሓደ ካብ ጸልማት መዓልታት” ክብላ ነቲ ፍጻመ ገሊጸን ኣለዋ።

ሰበ ስልጣን ምስቲ መጥቓዕቲ ብዝተሓሓዝ 4 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ተጻዊዶም ዝነበሩ ነተጉቲ ምምካኖም ሓቢሮም ።

ቀ/ሚ ጃሲንዳ አርደርን መብዛሕቶም ግዳያት ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ምዃኖም ብምግላጽ ኣስታት 20 ዝኾኑ ብከቢድ ዝቆሰሉ ከምዘለው ሓቢረን።

ሰበ ስልጣን ‘ታ ሃገር መንነት’ቶም ኣብ ትሕቲ ቀይሲ ዝኣተው ውልቀሰባት እንተዘይገለጹ ማንም ካብኦም ኣብ ትሕቲ ክትትል ዝጸንሓ ከምዘይኮነ ግን ገሊጾም ኣለው።

ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ወዲ 28 ኣውስትራላዊ ብረንቶን ታረንስ ዝተባህለ ውልቀሰብ መንነቱን ምክንያት ነቲ መጥቓዕቲ ዝገልጽ 47 ገጻት ዝሓዘ ማኒፈስቶ ገዲፉ ከምዝነበረ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG