ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኒውዝላንድ ብዘጋጠመ ህቦብላ ቁጽሪ ዝሞቱ ክውስኽ ከምዝኽእል ተገሊጹ


ቀዳማይ ሚንስተር ኒውዚላንድ ክሪስ ሂፕኪንስ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ህቦቡላ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብሰንኪ ሳይክሎን ጋብሪአል ዝጽዋዕ ህቦቡላ ዝሞቱ ሰባት ሎሚ ዓርቢ ሸሞንተ ከምዝበፅሐን ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት እቲ ህቦቡላ ልዕሊ 4,500 ሰባት ድማ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።

ቀዳማይ ሚንስተር ኒውዚላንድ ክሪስ ሂፕኪንስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሳይክሎን ጋብሪኤል ሒዙዎ ብዝመፀ ዕንወት ቅድሚ ሎሚ ዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ። ሓያል ውሑጅ፣ምንሽሕታት መሬትን ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኣስዒቡ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ቁፅሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጾም: በዚ ሓደጋ ዝተጎድኡ ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱ ብዙሕ ስራሕ ይፅበየና ኣሎ ኢሎም።

ናይ ኣውስትራሊያ ጉጅለ ግብረ መልሲ ሓደጋ ኣብቲ ስርሒት ንምሕጋዝ ሎሚ ዓርቢ ኒው ዚላንድ ኣትዮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG