ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን መወሰኒ ሕግን ኮንግረስ ኣሜሪካ

ሰልፊ ዴሞክራት ኣሜሪካ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኮንግረስ 219 ብ 193 ዝኾነ ውጽኢት ዓወት ዝቐንዖም ክኸውን እንከሎ: ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ድማ ኣብ ምርጫ መናብር ሰነት 51ብ 45 ዝኾነ ውጽኢት ተዓዊቶም ኣለው።

ብመሰረት ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተረኽበ ውጽኢት ናይ ብ'ሚድ ተርም' ዝፍለጥ ኣብ ነፍስ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ኣሜሪካ እቲ ብሰልፊ ሪፖብሊካውያን ተዓብሊሉ ዝነበረ መናብር ኮንግረስ ናብ ሰልፊ ደሞክራትስ ዝተመሓላለፈ ክኸውን እንከሎ: መናብር ሰነት ግን ሕጂውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ኮይኑ ክቕጽል እዩ።

XS
SM
MD
LG