ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቻይና ንዕጽዋ ኮቪድ19 ዝቓወም ሰልፊ ይካየድ ኣሎ


ኣብ ቻይና ንዕፅዋ ኮቪድ19 ብምቅዋም ይካየድ ዘሎ ተቓውሞ ኣብ ዋና ከተማ ቤጂንግን ዝዓበየት ከተማ ሻንጋይን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትማሊ ሰንበት እውን ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ'ሎ።

ተቓውሞ ምስማዕ ብዙሕ ኣብ ዘይረኣየላ ቻይና ዝተአከቡ ሰልፈኛታት ኣንፃር እቲ ኮሚንስት ስርዓት ጭርሖታት የስምዑ ነይሮም።‘’ነፃነት እምበር ምርመራ ኮቪድ19 ኣይንደልን’’:‘’ሓሶት ኣይንደልን፤ክብሪ ኢና ንደሊ":"ድልየትና ለውጢ እዩ።መራሒ ኣይንደልን፤ድልየትና ብድምፂ ምምራፅ እዩ።ዜጋ እምበር ባርያ ኣይትኹን’’ ብምባል ድምፆም የስምዑ።

እቲ ተቓውሞ ኣብ ከተማ ኡሩምቺ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንፃ ዝሓለፈ ሓሙስ 10 ሰባት ዝቐተለ ባርዕ ሓዊ ስዒቡ እዩ ተላዒሉ።ብሰንኪ ስጉምታት ዕፅዋ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ባርዕ ሓዊ ናብቲ ህንፃ ብቕልጡፍ ክኣትው ብዘይምኽኣሎም ነበርቲ ካብቲ ህንፃ ከይወፁ ገይሩዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ'ሎ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብኮቪድ19 ዝተትሓዙ 100 ሰባት ዝምዘግቡላ ዘለው ከተማ ኡሩምቺ ካብ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ዕፅዋ ትርከብ።

ሎሚ ሶኑይ ቻይና ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 40,000 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ምምዝጋባ ኣፍሊጣ ኣላ።

XS
SM
MD
LG