ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቻይና ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 900 ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብ ቻይና ብዝሒ ብኮረና ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 900 ምብጽሑ፡ኣብ ብሪጣንያ ተወስኽቲ ኣርባዕተ ሓድሸቲ ሕሙማት ምስተረኸቡ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ይውስኽ ምህላው መንግስቲ እታ ሃገር እቲ ቫይረስ ዘተሓሳስብ ፀገም ናይ ህዝቢ ጥዕና ክብል ኣዊጁ’ሎ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ናብ ቻይና ተጓዒዞም ዘይፈልጡ ሰባት በቲ ቫይረስ ምትሓዞም እቲ ለበዳ ዓብይ ሓደጋ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ኢሎም።ውድብ ጥዕና ዓለም ላዕለዎት ክኢላታት ጥዕና ናብ ቻይና ምልኣኹ ዶ/ር ቴድሮስ ሎሚ ሶኑይ ሓቢሮም።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ሶኑይ ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ኩነታት ኣየር ኣብ ዝውዕየሉ ወርሒ ሚያዚያ ክጠፍእ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ገሊፆም። ’”ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ሙቐት ንኩሎም ዓይነታት ቫይረስ ይቐትሎም እዩ’’ኢሎም።

ሰበስልጣን ጥዕና ቻይና ትማሊ ሰንበት 97 ሓደሽቲ ዝሞቱ ሰባት ምምዝጋቦም ብምግላፅ ብሓፈሻ ቁጽሪ ዝሞቱ 908 ምብጽሑን ካልኦት 3,062 ሓደሽቲ ሕሙማት እውን ምምዝጋቦም ሓቢሮም ኣለው።

ናይ ቻይና ፕረዚደንት ሺን ዢንግፒንግ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ንሰራሕተኛታት ጥዕናን ሕሙማትን ኣዘራሪቦም ኣለው።ሰማያዊ መሸፈሊ/ማስክ/ተኸዲኖም ኣብ ቤጂንግ ንዝርከብን ብኮሮና ቫይረስ ንዝተታሓዙ ሰባት ዝሕከሙሉን ሆስፒታል ዲታን በጺሖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG