ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቻይና ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ብዕጽፊ ወሲኹ


ኣብ ቻይና፣ ብኮቪድ19 ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሖም ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ተፈሊጡ። እዚ ሓድሽ ክስተት’ዚ፣ እቲ ለበዳ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ዝተራኣየሉ ጊዜ ንፈለማ ጊዜ ዘጓነፈ እዩ።

ኮምሽን ሃገራዊ ጥዕና'ታ ሃገር ከምዝሓበሮ ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት፣ 3507 ሰባት ከምዝተለኸፉ፣ ቅድሚ’ታ ዕለት ግና ብዝሒ ብኮቪድ19 ዝተታሓዙ 1337 ከምዝነበረን ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ዳሕረዋይ ተርእዮ፣ ሰበ ስልጣን፣ ሓደሽቲ እገዳታት ንክትግብሩ ከምዘገደዶም’ውን ዝመጸና ዜና ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG