ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቶጎጋ ትግራይ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዝቆሰሉ ናብ ዓይደር ሆስፒታል ምእታው ምጅማሮም ተገሊጹ


ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ዝርከብ ቶጎጓ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ንዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ዝወፀ ህዝቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቖሲሎም ሕክምና ንምርካብ ተኸኪሎም ዝነበሩ ሰባት ናብ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ምእታው ጀሚሮም::

ብኻልእ ወገን ድማ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካን፣ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ቶጎጋ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኦም።ውግእ ደው ንክብል'ውን ጸዊዖም። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብወገኑ በቲ ደብዳብ ንዝተጎድኡ ሰባት ናብ ሆስፒታል ዓይደር መቐለ ከምዝወሰዶም ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

(ገለ ምስሊታት ዘሰንብ ትሕዝቶ ዘለዎም ምዃኑ ንሕብር )

XS
SM
MD
LG