ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካን ቻይና ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ዘሎ ኦሎምፒክ ብዝሒ መዳልያታት ይረክባ


ኣብ ቶክዮ ጃፓን ዝካየድ ዘሎ ኦሎምፒክ ስፖርት ሎሚ`ውን ቀጺሉ ውዒሉ`ሎ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪኮስትን ግብጽን ንርብዒ ፍጻመ ምሕላፈን ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

ኣብ ጅምናስቲክ፡ ልዑል ሽም ዘለዋ ኣመሪካዊት ሲሞን ቤለስ፡ ንጥዕና ኣእምሮ ቀዳምነት ብምሃብ ነቲ ውድድር ድሕሪ ምቁራጻ፡ ኣመሪካ ብካልእ ሱኒ ሊ ዝተባህለት ተወዳዳሪት ጌራ ሕጂ`ውን ወርቂ መዳልያ ዓቲራ`ላ።

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምሕንባስ ውድድር ድማ፡ ተወዳደርቲ ኣመሪካ ን ቻይናን፡ ቁጽሪ መዳልያታቶም ወሲኾም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ዝሳተፉ ዘለው ጉጅለ ኣትሌታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ መጻረዪ ውድድራቶም ጀሚሮም ኣለዉ ። ካብ መንጎኦም ድማ ኢትዮጵያዊ ሰለሞን ባርጋን፡ ኤርትራዊ ኣሮን ክፍለን ይርከብዎም።

ካብ ዙርያ ዓለም መዳልያታት ዝዓትራ ዘለዋ ሃገራት ዝሓዘ ሰንጠረዥ ከምዘርእዮ፡ ብኣጠቓላሊ ብዝሒ መዳልያ ትመርሕ ዘላ ኣመሪካ`ያ፡ ብ14 ወርቂ፡14 ብሩር፡ 10 ድማ ነሓስ። ቻይና ድማ ብ15 ወርቂ፡ 7 ብሩር፡ 9 ነሓስ ካልኣይ ደረጃ፡ ሩስያ ድማ ብ8 ወርቂ፡ 11 ብሩር 9 ነሓስ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ'ላ ።

XS
SM
MD
LG