ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ: አባል ኢጣልያዊ ትካል ግብረሰናይ ምቕታሉ ተሓቢሩ


ኣብ ኢጣልያዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ዓለምለኸ ኮሚቴ ምዕባለ ህዝቢ(CISP) ይሰርሕ ዝነበረ ነጋሲ ኪዳነ፣ ቀዳም ብበራሪ ጥይት ከምዝሞተ ዝቆጸሮ ትካል ኣፍሊጡ።

ወዲ ዓዲግራት ዝኾነ ነጋሲ፣ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ዓለምለኸ ኮሚቴ ምዕባለ ህዝቢ ዝተባሃለ ኢጣልያዊ ትካል ገባሪ ሰናይ CISP ይሰርሕ ነይሩ።

ነጋሲ ኪዳነ፣ ውግእ ናይ ትግራይ ካብ ዝውላዕ ንዳሓር፣ ኣብ ስርሖም ከለው ካብ ዝተቀትሉ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት እቲ መበል ታሽዓይ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ትካል ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "ሓላፊ ጨንፈር ዓዲግራት ዝነበረ ብጻይና ነጋሲ ኪዳነ ቀዳም ዓሪፉና ኣሎ" ከምዝበለ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረት’ቲ ዜና "እታ ንነጋሲ ዝቀተለት ጥይት መን ከምዝተኮሳ ንጹር ኣይኮነን፣ እንተኾነ ብሰንኪ መውጋእቲ ኣብ ሆስፒታል ከምዝኣተወን ክድሕን ከምዘይካኣለን" ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG