ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ኣብዚ ዓመት ቑጽሪ ብከልቢ ዝንከሱ ሰባት ከምዝወሰኸ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ሓቢሩ


 ኣይተ ሳሙኤል ኣረጋይ በዓል ሞያ ማሕበረሰብ ጥዕና ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ
ኣይተ ሳሙኤል ኣረጋይ በዓል ሞያ ማሕበረሰብ ጥዕና ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ

ኣብ ትግራይ ንሕማም ዕቡድ ከልቢ (ራቢስ) ዘቓልዕ ምንካስ ከልቢ ካበ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝወሰኸ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ቢሮ ከምዝገለፆ ብደረጃ ሃገር እቲ ኩነታት ኣብ ትግራይ ዝገደደ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ድማ ብበዝሒ ኣብ ዞባ ደቡብ ከምዝረአ ሓቢሩ።

ነቲ ሕማም ንምክልኻል ኣብ ጥዕና ሰብን እንስሳን ጠመተ ዝገበረ ስራሕ ይካየድ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

በዓል ሞያ ማሕበረሰብ ጥዕና እቲ ቢሮ ኣይተ ሳሙኤል ኣረጋይ እቲ ቁጽሪ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምውሳኹ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ኣብዚ ዓመት ቑጽሪ ብከልቢ ዝንከሱ ሰባት ከምዝወሰኸ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:49 0:00

ብደረጃ ሃገር ብከልቢ ዝንከሱ ሰባት እቲ ዝበዝሕ ኣብ ትግራይ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ሳሙኤል ኣብ ትግራይ ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብበዝሒ ከምዝርአ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራሕ ብዕቡድ ከልቢ ተነኺሶም ክኾኑ ይክእሉ’ዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 1027 ሰባት ኮይኖም ካብዚኦም እቶም 30 ሚእታዊት ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ እዮም።

ኣብዚ ዓመት በቲ ሕማም ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ዝተዛረቡ ኣይተ ሳሙኤል እቲ ሕማም ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ኣብ ጥዕና ሰብን እንስሳትን ብሓባር ጠመተ ብምግባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ።

ኣይተ ሳሙኤል ብተወሳኺ ምልክት እቲ ሕማም ዝተርኣየሉ ሰብ ናይ ምድሓን ዕድሉ ብጣዕሚ ዝተሓተ ብምዃኑ ምልክት ዝተርኣየሉ ሰብ ይመውት እዩ ኢሎም ። ቅድሚ ምልክት ምርኣዩ ብዕቡድ ከልቢ ዝተነኸሰ ሰብ ሕክምና እንተረኺቡ ግና ምሉእ ብምሉእ ይድሕን እዩ ኢሎም።

ብዕቡድ ከልቢ ዝተነኸሰ ሰብ ናይቲ ሕማም ምልክት ዘርእየሉ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ግዘ ምዃኑ ዝተዛረቡ ኣይተ ሳሙኤል ኣብ ገለ ገለ እዋናት ድማ ክሳብ ሓደ ዓመት እቲ ምልክት ከይተርኣየ ዝፀንሓሉ እዋን ኣሎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG