ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ደቂ ኣንስትዮ ንምትራፍ ዝካየድ ምንቅስቃስ


ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ እንደርታ ማይ መኽደን ኣብ ትባሃል ቤት ትምህርቲ ንደቂ ኣንስተዮ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብምግባር ትሕቲ ዕድመ መርዓ ኣብቲ ከባቢ ምንካዩ ተሓቢሩ።

ኣብታ ከባቢ ቅድሚ ሐዚ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ብበዝሒ ይረአ ምንባሩ እውን ተገሊፁ።

ወይዘሮ ኣኸዛ ሕሉፍ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ፈለገ ህይወት ነባሪት እየን። ገና ጓል 9 ዓመት ህፃን እናሃለዋ ብወለደን ተገዲደን ከምዝተመርዐዋ ይዛረባ። ወይዘሮ ኣኸዛ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ንሰን ዘጋጠመን ከየጋጥመን ትሕቲ ዕደመ መርዓ ክተርፍ ይሰርሓ ምህላወን ተዛሪበን።

እዚ ዝጀምርኦ ምንቅስቓስ ለውጢ የምፅእ ምህላዉ ዝተዛረባ ወይዘሮ ኣኸዛ ብፍላይ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ጂኦግራፊ መምህር ዝኾኑ ዶክተር ሰሎሞን ሕሸ ፕሮጀክት ቐሪፆም ኣብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማይ መኽደን "ትሕቲ ዕድመ መርዓ ይትረፍ" ብዝብል የካይድዎ ዘለዎ ምንቅስቓስ ኣብቲ ከባቢ ለውጢ ይመፅእ ኣሎ ኢለን።

ብምኽንያት ትሕቲ ዕደመ መርዓ ዝፍጠር ፀገም ጥዕናን ምቁራፅ ትምህርቲ ንምትራፍ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮ ድጋፍ ናውቲ ትምህርቲ ይወሃብ ኣሎ። ወለዲ ቅድሚ ሐዚ ደቂ ኣንስተዮ ተማሃሮ ክመርዐዋ ከገድዱ ከለዉ ናወቲ ትምህርቲ ምኽልካል ዘካተተ እዩ ነይሩ። ነዚ ንምፍታሕ ድማ እዩ በቲ ፕሮጀክት ደፍተር፣ ዲቪዛን ናውቲ ንጽህና ደቂ ኣንስትዮ ክረኽባ ይግበር ዘሎ። ተማሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ ትሖሽ ገብረሰማእትን ቅድስት ተሰማን ኣብዚ ሐዚ እዋን ትሕቲ ዕደመ መርዓ ኣብ ከባቢና ተሪፉ እዩ ይብላ።

ርእሰ መምህር ሙሉእ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማይ መኽደን መምህር መስፍን ድምፁ ብሰንኪ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ምቁራፅ ትምህርቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን የለን ይብሉ።

ካብ 2003 ዓ.ም ጀሚሩ ትሕቲ ዕደመ መርዓ ኣብ ልዕሊ ጥዕናን ማሕበራዊ ህይወት ዘብፀሖ ፀገም ንምርዳእ ስልጠና ብምሃብን ብተወሳኺ ድማ ድጋፍ ናውቲ ትምህርቲ ካብ ጣልያናውያን መምሃራኖም ኣተኣኻኺቦም ይህቡ ዘለዉ ዶክተር ሰለሞን ሕሸ እዚ ኣብ ማይመኽደን ዝጀመርዎ ምንቅስቃስ ኣብ ካልኦት ከባቢ ንምስፋሕ ትልሚ ከምዘለዎም ይዛረቡ። እቲ ለውጢ ግንዛበ ኣብ ወለዲ እውን ከምዝተፈጠረ ይገልፁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG