ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተባህለ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ውድብ ተጣይሹ


ኣብ ትግራይ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተባህለ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ውድብ ተጣይሹ።

እቲ ውድብ ኣብ ፌደራላዊ ስርዓት ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ንምኽባር ከምተጣየሸ ኣፍሊጡ::

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ብሕጋውን ሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስ ኣብ ቦርድ መረፃ ንምምዝጋብ ሕቶ ከምዘቕረበን ካብቲ ቦርድ ኣድላይ ሰነድ ከማልኡ ምላሽ ከምተውሃቦም ተሓቢሩ።

እቲ ውድብ ሎሚ ፕሮግራሙ ንምልላይ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቡ።

ኣብ ትግራይ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተባህለ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ውድብ ተጣይሹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:20 0:00

ኣባል ግዝያዊ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ እቲ ውድብ ኣይተ ዓብለሎም ገብረሚካኤል ሳልሳይ ወያነ ኣብ ፌደራላዊን ሕገ መንግስታዊን ስርዓት ረብሓ ትግራይ ክኽበር ንምስራሕ ዝዓለመ ብሄርተኛ ውድብ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ይኹን ኣብ ካልኦት ክልላት ምስ ዘለዉ ሕገ መንግስትን ፌደራላዊ ስርዓት ምስ ዝቕበሉ ውድባት ረብሓ ትግራይ ብዝጠቅም መንገዲ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ኣይተ ዓብለሎም ተዛሪቦም።

ኣሰያይማ እቲ ውድብ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ድማ ኣካል ከይዲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብምዃኑን ምስቲ ናይ ሎሚ ግዘ ዝስማዕማዕ ብምኻኑ እዩ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝብል ሽም ሂብናዮ ኢሎም::

ኣብ ቐፃሊ ናብ ናይ ቁጠባ ፕሮግራም ጠሚቱ መብርሂ ዝሃቡ ናይቲ ውድብ ግዝያዊ ዋና ኣተሓባባሪ ኣይተ ሃያሉ ጎድፋይ ውድቦም ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ሶሻል ዴሞክራሲ ሒዙ ክቃለስ ምኻኑ ተዛሪቦም።

ዋንነት መሬት ኣብ ሰለስተ ዝኽፈል ክኸውን : ኣብ ዙርያ ከተማ ዘሎ መሬት ናይ ውልቀ ሰብ፤ ናይ እንስሳት ጋህፂ መሬት ናይ ማሕበረሰብ ብተወሳኺ ድማ ዝሕረስ መሬት ካልኦት ናይ መንግስቲ ክኸውን ክንቃለስ ኢና ኢሎም::

ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 53 ክልላት ናይ ባዕለን ፖሊሲ ቁጠባ ክቐርፃ ከምዝኽእላ ብመሰረት ዘቐመጦ ትግራይ መንገዲ ኣየር ሓዊሱ ካልኦት ቁጠባዊ ትካላት ክትውንን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም::

መዓድን: ኢንዳስትሪ፣ ቱሪዝምን ሕርሻን ሓቢሮም ክዓብዩ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም::

ካብ ህወሓት ብምንታይ ትፍለዩ ተባሂሎም! "ህወሓት ኣብ ፕሮግራሙ ከምዘፍለጦ ድርባዊ ቃልሲ ዘካይድ እዩ ንሕና ግን ብሄር መሰረት ዝገበርና ኢና" ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝቕፅል ዓመት ዝካየድ መረፃ ንምስታፍ ዘለዎም ምድላዋት ተሓቲቶም : " ብመሰረት ሕጊ ሓዱሽ ዝተጣይሸ ውድብ ኣብ መረፃ ንምስታፍ ክልተ ዓመት ክፀንሕ ስለ ዘለዎ ኣይንሳተፍን" ኢሎም::

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ጉባኤ ብምክያድ ኣመራርሓ ከምዝመርፅን ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ እውን ከምዘፅድቕ ኣፍሊጡ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG