ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ሎሚ’ውን ደብዳብ ነፈርቲ ተኻዪዱ


ሎሚ ሰሉስ ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ ወረዳ እንደርታ፡ ጣብያ ዓራቶ ዝተባህለ ከባቢ ደብዳብ ነፋሪት ተፈፂሙ። እቲ ደብዳብ ኣብ መሬት ሕርሻ ከም ዝተፈጸመ ኣማሓዳሪ’ቲ ወረዳ ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽል ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ሓቢሩ'ሎ።

በዚ ደብዳብ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዛዕባ ዝበፀሐ ጉድኣት ዛጊድ ዝተፈለጠ የለን።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሉ ሰዓት ጓሶት ምስ ከብቶም ኣብቲ ከባቢ ዋላተነበሩ ጉድኣት ግን ኣይበፅሖምን ክብሉ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ኵሓ ዝርከብ መሰልጠኒ ፍሉይ ሓይሊ ከም ዝደብደበ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ፋና ፀብፂቡ።

XS
SM
MD
LG