ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ህውሓት ኔሮም ዝተባህሉ ልዕሊ  1,100 ወታሃደራት ናብ ክልል ኣምሓራ ምእታዎም ተገሊጹ


ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ህወሓት ነይሮም ዝተባህሉ ልዕሊ 1,100 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ምእታዎም ናይቲ ዞባ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኣቶ ጳውሎስ በላይ እቶም ወታሃደራት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ሰራዊትን ብርጌዳትን ዝነበሩ ብህወሓት ተታሒዞም ዝፀንሑ እዮም ኢሎም።

ኣቶ ጳውሎስ እቶም ወታሃደራት ብጥምየት፣ፅምኢ ማይን ዝተጎድኡ፣ብሕማም ዝደኸሙን ዝቖሰሉን ከምዝርከቡዎም ሓቢሮም ።

ንሶም ወሲኾም ኣብቶም ዝቕጽሉ መዓልታት እውን ናብቲ ዞባ ዝኣተው ኣባላት ሰራዊት ከምዝውስኽ ወሲኾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG