ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ዋና ዳይሬክተር ሜቴክ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


ዋና ዳይረክተር ናይ ሓፂንን ኢንጂነሪንግን ኮርፐረሽን ሜቴክ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ሎሚ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረቡን መንግስቲ ጠበቓ ክምድበሎም ሓቲቶም።

ትማሊ ኣብ ከባቢ ሑመራ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ዝተገልፁ ጀነራል ክንፈ ደሞዞም ኣርባዕተ ሽሕ ስለዝኾነ ብውልቆም ጠበቓ ክቖፅሩ ስለዘይኸአሉ መንግስቲ ጠበቓ ክምድበሎም ሓቲቶም።ኣቶ ኢሳያስ ዳኘው ዝተበሃሉ ካልእ ተጠርጣሪ እውን ብተመሳሳሊ መንግስቲ ጠበቓ ክምድበሎም ሓቲቶም ኣለው።ካልኦት ተጠርጠርቲ እውን ሎሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣለው።

ቤት ፍርዲ ንፅባሕ ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG