ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ዝርከቡ 6 ተኸሰስቲ ክሶም ከምዝተለዓለሎም ተገሊጹ

ሚኒስትር ፍትሒ ዶ/ር ጊድዮን ጢሞትዮስ
ሚኒስትር ፍትሒ ዶ/ር ጊድዮን ጢሞትዮስ

ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ዝርከቡ ሽዱሽተ ተኸሰስቲ ክሶም ከምዝተለዓለሎም ተገሊጹ።

ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ዝርከቡ ሽዱሽተ ተኸሰስቲ ብሰብኣዊነት ምክንያት ክሶም ከምዝተላዕለ ገሊጹ።

ሚኒስትር ፍትሒ ዶ/ር ጊድዮን ጢሞትዮስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብቲ መዝገብ ክሲ ዝርከቡ ካልኦት ተኸሰስቲ ግን መስርሕ ክሶም ከምዝቕጽል ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ኣቶ ጀውሃር መሓመድን ኣቶ እስክንደር ነጋን ዝርከቡ ተኸሰስቲ ግን ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ሃገራዊ ልዝብ ውጽኢታዊ ክከውን ተባሂሉ ክሶም ከምዝተቋረጸ እቶም ሚኒስትር ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG