ዋሽንግተን —
ኣብ ቴክሳስ 46 ስደተኛታት ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ሞይቶም ተረኺቦም። ከም ሓበረታ ሰበ-ስልጣን ግዝኣት ቴክሳስ፡ ናብ ኣመሪካ ኣብ ትኣቱ ዝነበረት ትራክ ዝዓይነታ ዓባይ መኪና 46 ስደተኛታት ሞይቶም ዝተረኽቡ ክኾኑ ኸለዉ፡ 16 ድማ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ። እቲ ስራሕ ናይ ገበነኛታት ኣስገርቲ ደቂሰባት ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።
እቶም ስደተኛታት ዝሞቱ ብኸቢድ ሙቐት ተዓብዒቦም ክኸውን ከምዝኽእል`ውን ፖሊስ ይገልጽ። ካብቶም ብህይወት ዝተረኽቡ ቆልዑት ከምዝርከብዎም`ውን ፖሊስ ሓቢሩ`ሎ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ውዒሎም ኣለዉ።
እዚ ዳሕራዋይ ቀታሊ ኣጋጣሚ ናይቲ ኣሸሓት ዝጠፍእሉ ፈተነ ምስጋር ናብ ኣመሪካ`ዩ ምዃኑ ይግለጽ።