ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቱርኪ ዳግማይ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት 3 ሰባት ሞይቶም


ድሕሪ`ቲ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣብ ዶብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመን ኣስታት 45-ሽሕ ህይወት ዝሃለቐሉን ነውጺ መሬት፡ትማሊ ሰኑይ`ውን ደጊሙ፡ዛጊት ሰለስተ ሰባት ሰለስተ ምሟቶምን 200 ምቑሳሎምን ይግለጽ ኣሎ።

ኣብዚ ዳሕራዋይ`ውን ብርክት ዝበሉ ህንጻታት ዓንዮም ኣለዉ፡ሰራሕተኛታት ድሕነት ድማ ዝተጸቕጡ ሰባት ኣብ ምንዳይ ተዋፊሮም ኣለዉ።

እቲ ናይ 6.4 ዓቐን ሓይሊ ዝነበሮ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ናይ ቱርኪ ከተማ ደፊን ዘጋጠመ ኮይኑ፡እቲ ከባቢ በቲ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ዘጋጠመ`ውን ዝተሃርመ`ዩ።

እቲ ሓዲሽ ምንቅጥቃጥ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሶርያ፡ ዮርዳኖስ፡ ሊባኖስ ከምኡ`ውን ግብጺ`ውን ከምዝተሰምዐ ይግለጽ ኣሎ።

ትማሊ ሰኑይ ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂፕ ጠይፕ ኤርደዋን ኣብ ኣንካራ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ተራኺቡ ኔሩ፡ ኣብቲ ርክብ፡ ኣመሪካ ንግዳያት ሓደጋ 100 ሚልየን ዶላር ተወሳኺ ረድኤት ከም ትገብር ጠቒሱ።

ኤርደዋን ብወገኑ፡ መንግስቱ ኣብ ሓደጋ ዝሃሰዮ ግዝኣት ሓታይ ኣስታት 200-ሺሕ ሓደሽቲ ኣባይቲ ከምዝሃንጽ ኣፍሊጡ`ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ቱርኪ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ናይ ዝሞቱ ሶርያውያን ሬሳታት ንኽቅበር ናብ ሃገሮም ሶርያ ተላኢኹ'ሎ። ብዝሒ'ቲ ሬሳታት ንከባቢያዊ መቃብራት ክሳብ ዝመልእ ገይሩዎ'ሎ።

ሚልዮናት ሶርያውያን ብሰንኪ ኹናት ሕድሕድ ዑቁባ ንምንዳይ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ቱርኪ ብዘጋጠመ'ዮም።

XS
SM
MD
LG