ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

​ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ስደተኛታት ሶርያ፡ ፍርሂን ጥምየትን የንጸላልዎም ከምዘሎ ይገልጹ


​ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ስደተኛታት ሶርያ፡ ብምዕጻው ለበዳ ኮሮና ኣብ ከቢድ ሕሰም ናብራ ወዲቕና ይብሉ`ለዉ። ካብ ቦምብን ጥይትን ፈሪሕና ኣብ ገዛና ተዓጺና ኔርና- ሎሚ ድማ ካብ ቫይረስ ፈሪሕና ንጥምየት ተቓሊዕና ኣለና ይብሉ።

መብዛሕቲኦም ኣብ ቱርኪ ዝነብሩ ሶርያውያን ስደተኛታት ኣብቲ ዘይ-ስሩዕ ዓይነት ስራሕ ሰሪሖም`ዮም ዝኣትዉ ኔሮም-ሕጂ ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ብዘይኣታዊ ተሪፎም- ብዙሓት ድማ ክራይ ገዛ መኽፈሊ የብሎምን። ገለ ዝተፈላለያ ትካላት ረድኤት ገለ መግቢ ቁርብ ገንዘብን ቀረባትን ይህብኦም-ግን ኣኺልዎም ኣይፈልጥን። ስድራቤታት፡ እዚ ለበዳ እንተቐጺሉ ቆልዑትና ክጠምዩ`ዮም ዝብል ሻቕሎት ሓዲርዎም ኣሎ።

ሓደ ዓይነት ፍርሒ`ዩ- ኣብ ሶርያ ብቦምብ ከይንቕተል ኣብ ገዛ ተሓቢእና ኔርና- ሕጂ ድማ ብቫይረስ ከይንትሓዝ ፈሪሕና ኣብ ገዛና ተሓቢእና ኣለና ትብል ማርዋ ዝተባህለ ሶርያዊት ስደተኛ።

ቱርኪ ብውሕዱ 3.5 ሚልዮን ስደተኛታት ኣለውዋ-ልዕሊ ዝኾነት ሃገር ኣብ ዓለም፡ ግን ኣብ ቱርኪ ተጻብኦታት ዓሚቕ ዝኸደ`ዩ- መንግስቲ ድማ እቶም ስደተኛታት ክወጹ`ዩ ዘተባብዕ።

እቶም ስደተኛታት ከምዝብልዎ ቱርኪ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና እናደኸየት እንተኸይዳ- ነበርቲ ኣንጻርና ተጻባእቲ ግዳያት ክኾኑ ዮም’ዮም ይብሉ።

ቅድሚ`ቲ ቫይረስ`ውን ዓሌታውነት ኔሩ-`ዩ- -መግቢ ካብ ኣፎም ነሕድጎም`ዩ ዝመስሎም ኪዱ ናብ ሃገርኩም ተመለሱ`ዮም ዝብሉና -ግን ኣይኮነን- ንስድራና ንክቅልብ ኢና ንሰርሕ ዘለና' ይብል መሓመድ ዝተባህለ ሶርያዊ ስደተኛ-ኣብ ቱርኪ። መሓመድ ሕጂ ስራሕ የብሉን-ንሱ ክገልጽ ከሎ- ብኹናትን ብምፍንቓልን እንተሓለፍና`ውን- እቲ ዝኸፍአ ነገር ግን- ደቅና መግቢ ሃቡና ኢሎምና የብልናን ክንብሎም ከለና`ዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG