ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቦርኪኖፋሶ ተጨውዮም ዝነበሩ 63 ሰባት ናጻ ምውጽኦም ተገሊጹ


ኣብ ሰሜናዊ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ተጨውዮም ዝነበሩ 63 ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ነፃ ከምዝወፁ ሃገራዊ ፈነወ ሬድዮ ብርኩናፋሶ ብዓርቢ ኣፍሊጡ።

ካብ ማሊ ኣብ 2015 ዝለሓኾ እስላማዊ ናዕቢ ዘጋጠማ ቡርኪናፋሶ ከምዚ ዝበለ ጅምላዊ ጨወያ ግን ቅድሚ ሎሚ ኣይረኣየትን።

ኣብ ዝሓለፈ 12’ን 13’ን ጥሪ ዕጡቃት ደቂ ተባትዕዮ ነቶም ቆልዑን ኣንስትን ዝጨወይዎም ኣብ ጫካ ፍሬታት ኣብ ዝምእርርሉ ዝነበሩ እዋን’ዩ።

ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ዝተጨዉዩ ንምድሓን ኣብ ዘካየድዎ ስሪሒት 27 ደቂ ኣንስትዮን 39 ቆልዑን ኣድሒኖም’ለዉ።

እቲ ሃገራዊ ሬድዮ ቡርኪናፋሶ ከም ዝበሎ ድሕሪ ሸሞንተ ነዋሕቲ መዓልታት ኣብ ኢድ ጨወይቲ ናፃ ወፂኦም ኣለዉ ኢሉ’ሎ።

መንግስቲ ቡርኪናፋሶ’ዉን ነዚ ኣረጋጊፁ ግን ዝርዝር ኣይሃበን።

XS
SM
MD
LG