ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቦርኪኖፋሶ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጕ 15 ወታሃደራት ሞይቶም


ቡርኪናፋሶ ንናዕበኛታት ጂሃድ ትቃለስ ኣብ ዘለትሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ትማሊ ሰሉስ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኽልተ ነተጉቲ 15 ወታሃደራት ከምዝተቐትሉ ሰራዊት'ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ኽልተ ነተጉቲ ዝተትኮሰ ኣብ ማእኸላይ ሰሜናዊ ዞባ እታ ሃገር ካብ ብይሩዛንጋን ናብ ደጂቦን ኣብ ዝርከብ መንገዲ ሓደ ወታሃደራዊ ቃፍላይ ንሓደ ተልእኾ ኣብ ዘሰንየሉ ዝነበረ እዋን ምዃኑ እቲ ሰራዊት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ። ሓንቲ ካብተን ወታሃደራት ዝጸዓና መኻይን ብነታጒ ምስ ምስተሃርመት እቶም ዝተረፉ ወታሃደራት ንዝተሃርሙ እንዳልዓሉን ኣብ ሓለዋ ከለውን እቲ ካልኣይ ነትጕ ምግጣሙን ብዙሓት ምቁሳሎምን ተገሊጹ'ሎ።

ኣብ ቡርኪናፋሶ ንዝፍጸሙ መጥቃዕታት እቲ ምስ ኣልቓዒዳን ዳዒሽን
ምትእስሳር ዘለዎም ጂሃዳውያን እዮም ፈጸምቱ ተባሂሉ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ እቲ ጉጅለ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቐቲሉ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ድማ ኸኣ ካብ ኣባይቶም ክሃድሙ ጌሩ እዩ።

XS
SM
MD
LG