ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቦረና 800-ሽሕ ሰባት ሓገዝ ከም ዘደልዮም ሰበ-ስልጣን'ቲ ከባቢ ገሊጾም


ፋይል
ፋይል

ቦረና ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ እዋናት ዝናብ ብዘይምርካቡ እናገደደ ብዝመፀ ደርቂ 3.5 ሚሊዮን እንስሳት ከም ዝሞታ ብናይ ውሽጢ ሃገር መራኸቢ ብዙሃን ዝተጠቐሰ ናይቲ ዞባ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።

ኣስታት 800.000 ሰባት ድማ ህፁፅ ረድኤት መግቢ ከምዘድልዮም ተገሊጹ ኣሎ።ኣብ ዞባታት ጉጂን ምዕራብ ጉጂን ልዕሊ 600.000 ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ከምዝርከቡ ሰበስልጣን ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። ቤት ፅሕፈት ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ዞባ ጉጂ ኣብቲ ዞባ ብደርቅን ፀገም ፀጥታን ልዕሊ 500-ሽሕ ነበርቲ ሓገዝ ከምዘድልዮም ብምግላፅ ዝተወሰኑ ሰባት ጥራሕ ሓገዝ ይረኽቡ ከም ዘለዉ ገሊፁ ኣሎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃሃዲ ረድኤት ብደርቂ ዝተጠቕዑ ክልላት ብለበዳ ሕማም ኮሌራ እውን ይጥቅዑ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG