ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ብሉናይል ግዝኣት ሱዳን ብዝተላዕለ ግጭት 220 ሰባት ምሟቶም ሰብ መዚ ኣፍሊጦም


ኣብ ሱዳን ዞባ ብሉ ናይል ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ'ቲ ከባቢ ብዝተላዕለ ከቢድ ግጭት ብውሑዱ 220 ሰባት ምሟቶም ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጥዕና ኣፍሊጡ።እቲ ፍጻመ ኣብ ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ደማዊ ግጭት እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

እቲ ዘይምርግጋእ ኣብ ኵናትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ንእትርከብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ፀገማታ ዘጋግድድ እዩ።ምስ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዘዋስን ክፍለ ግዝኣት ብሉ ናይል ዝተላዕለ ውግእ ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ብሰንኪ መሬት ምስሕሓብ ዝተበገሰ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ነገዳት ሃውሳን በርታን ዝተኻየደ ግጭት ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕን ሓሙስን ኣል ማሂ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ውግእ ንሂሩ ህይወት ብዙሓ ኣጥፊኡ ካልኦት ዓሰርተታት ሰባት ቆሲሎምን ኣሽሓት ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎምን ኣለው።

ዓለምለኸ ገባሪ ሰናይ ትካል ህፃናት ኣድሕን ኣብ ብሉ ናይል ከም ብሓዱሽ ብዝተላዕለ ግጭት ዓሙቕ ስኽፍትኡ ገሊፁ: ‘’ሰበስልጣን መንግስትን መራሕቲ ማሕበረሰባትን ንንፁሃን ስቪላት ዝጎድእ ዘሎ ህውከት ንከብቅዕ ዝካኣሎም ክገብሩ ነተሓሳስብ’’ ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ወታሃደራዊ ገዛኢ ሱዳን ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ከቢድ ዓሌታዊ ግጭት ኣብ ክፍለ ግዝኣት ብሉ ናይል ኣዛዚ ሰራዊት ንዝኾነ ካብ ሓላፍነቱ ኣልዒልዎ'ሎ።

ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሱዳን ኮሎኔል ናቢል ዓብዳላ ሜጀር ጀነራል ዳቢ ዓብዳላ ኣዳም ኣብ ቀዳመ ሰንበት ካብ ሓላፍነቱ ንዝተላዕለ ሜጀር ጀነራል ራምዚ ባባከር ተኪኡዎ ኣሎ ኢሉ።

ነቲ ግጭት ብምምርማር ሓቂ ዘናዲ ልኡኽ ምጥያሱ'ውን እቲ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG