ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ 1500 ሄክታር መሬት ጉድኣት ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብ ቃፍታ ሸራሮ ብሄራዊ ፓርክ ብዝተለዓለ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ 1500 ሄክታር መሬት ኣካል እቲ ፓርክ ጉድኣት በፂሕዎ:: ልዕሊ 500 ሓራምዝ ዘለዎ እዚ ፓርክ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ዝበፅሐ ጉዳት ከምዘየለ ምምሕዳር እቲ ፓርክ ኣፍሊጡ:: ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ድማ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ::

ኣብ ክልል ትግራይ ብሕታዊ ዝኾነ ቃፍታ ሸራሮ ብሄራዊ ፓርክ ብቅድሚ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ብዝተፈጠረ ባርዕ ሓዊ ጉዳኣት በፂሕዎ:: መበገሲ እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርክ "ዘይሕጋዊ ኣለሽቲ ወርቂን ጓሶትን ዘንቀልዎ እዩ" ክብሉ ኣተሓባባሪ እቲ ፓርክ ኣይተ ዘነበ ኣረፋይ ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።

ኣይተ ዘነበ ከምዝገለፅዎ እቲ ባርዕ ዛጊት 1,500 ሄክታር መሬት ኣካል እቲ ፓርክ ኣቃፂሉ ኣሎ። እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ዘብፀሖ ጉድኣት ክሳብ ሐዚ የለን ዝበሉ ኣይተ ዘነበ እንተኾነ ግን ኣብ መንበርን መግብታት እቶም እንስሳት ጉድኣት በጺሑ ኣሎ ኢሎም::

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ዓቕሞም ክንዲ ዝፈቐዶ ይከላኸሉ ከምዘለዉን ሎሚ ረቡዕ ድማ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እቲ ሓዊ ንምጥፋእ ምስታፎም ተሓቢሩ’ሎ::

ቃፍታ ሸራሮ ብሄራዊ ፓርክ ብፈደራል መንግስቲ ዝመሓደር ኮይኑ፡ 276 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝሽፍን እዩ:: እቲ ፓርክ ልዕሊ 500 ሓራምዝ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ እንስሳት ዝርከብሉ ምኻኑ ድማ ኣይተ ዘነበ ተዛሪቦም::

ኣምስዩ ናብቲ ከባቢ ደዊልና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ኣብቲ ባርዕ ሓዊ ዝተርኣየሉ ከባቢ ዝናብ ከምዝዘነበ እዩ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG