ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቤይጂንግ ቻይና ዝካየድ ኦሎምፒክ ሓጋይ 2022 ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ ክጅመር እዩ


ኣብ ቤይጂንግ ቻይና ዝካየድ ኦሎምፒክ ሓጋይ 2022 ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ ክጅመር እዩ።

ኣብዚ ውድድር ኣትሌታት 91 ሃገራት ኣብ 15 ዝተፈላለዩ ዓይነት ውድድር ክሳተፉ እዮም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ሰበ ስልጣን ቤይጂንግ፣ ልባዕ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ክብሉ፣ ገለ ደረት ኣንቢሮም ኣለው።

ንኣብነት፣ ንተመልከቲ ዝሽየጥ ቲኬት ኣይክህሉን እዩ። እዚ ማለት ብኣካል ኣትዮም ዝዕዘቡ ዘይብሉ ኮይኑ እዩ ክቅጽል።

ክታበት ጸረ ኮቪድ19 ዝወሰዱ ኣትሌታት፣ ኣብ ዝመረጽዎ ስፍራን ዓይነት ስፖርትን ከይዶም ንብጾቶምን ጋንታኦምን ክድግፉ ተፈቂዱሎም ኣሎ።

ክታበት ዘይወሰዱ ኣትሌታት ኣለው እንተኾይኖም ድማ፣ 21 መዓልታት ቅድሚ ምጅማር እቲ ውድድራት ኣብ ቤይጂንግ ኣትዮም ንክውሽቡ ይግደዱ።

ቻይናዊያንን ወጻእተኛን ስፖርታዊያን፣ ዕለታዊ መርመራ ኮቪድ19 ክግበረሎም እዩ።

XS
SM
MD
LG