ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ዝተፈጸመ ቅትለት ዘጻርይ ጉጅለ መርመራ ስራሕ ምጅማሩ ሚ/ፍትሒ ገሊጹ


ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ንዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ቕትለት ናብቲ ቦታ ከይዱ ዝምርመር ጉጅለ ስራሕ ምጅማሩ ተፈሊጡ።

ካብ ሚንስትሪ ፍትሕን ፌደራል ፖሊስን ዝተዋፅኡ ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ መርማሪ ገበን መርመራ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ሓላፊ ፕረስ ስክሬታሪያት ሚንስትሪ ፍትሒ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓደ ብህይወት ዝነበረ ሰብ ቅድም ክብል ምስ ዝተቐተሉ ሰባት ኣስከሬን ኣብ ምቅፃል ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ካልኦት ሰባትን ምስታፎም ምርግጋፁ ይዝከር።

ሸሞንተ ተወለድቲ ትግራይን ክልተ ናይ ጉሙዝ ተወለድትን ብሓይልታት ፀጥታ ብጥይት ምቕታሎምን ሬሳታቶም ድማ ክቃፀል ከምዝተገበረ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG