ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ዕጡቓት 2 ሰባት ቐቲሎም 145 ምሓዞም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ካሚሸ ወረዳ ሴዳል ዕጡቃት ብዉሑዱ ክልተ ሰባት ቀቲሎም 145- ሰባት ኸኣ ከምዝሓዙ ኮሚሽን ሰብ ኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣብቲ ክልል ብፍላይ ኣብ መተከልን ዞባ ካማሽን ደሕንነት ዜጋታት ንምርግጋጽ ብመንግስቲ ዝውሰዱ ስጉምቲ ክቀላጠፍ'ዉን ተላብዩ። ካብ 12- መስከረም ጀሚሩ ነበርት'ቲ ከባቢ ዕጡቃት ጉሙዝ'ዮም ብዝበልዎም 145- ዝኾኑ ተወለድቲ ብሄር ጉሙዝ ከምዝተጨውዩ ምንጭታት ብምጥቃስ ይገልጽ።

እቶም ዝተጨውዩ ኣንስቲን ቆልዑን ኣረጋውያንን ዝሕውስ'ዩ ፥ዝህብዎ ምኽንያት ኸኣ ንዕላማና ኣይደገፍኩምን ዝብል ምኻኑ ሃዲሞም ዘምለጡ ሰባት ጠቂሱ ይሕብር። ኣብቲ እዋን በቶም ዕጡቃት ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝተቀትሉ ዝተጨውዩ'ውን ምንክልባት ይበጽሖም'ሎ ኢሉ'ሎ። 5000 ሰባት'ዉን ከምዝተመዛበሉ ተገሊጹ'ሎ። ንዝሓለፉ ሓሙሽተ መዖኣልታት'ውን ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን'ቶም ዕጡቃትን ኹናት ይካየድ ምህልውን ንነበርቲ ሰዳል ናብ ድሌት ዝተባህለ ቦታ ንምህዳም ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎን ዝገለጸ'ቲ ኮሚሽን እቲ ዝተወፈረ ሓይሊ ጽጥታ እኹል ኣይኮነን ኢሉ'ሎ። ኣብ ወረዳ ሰዳል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ከምዝተዓጽወ'ዉን ገሊጹ 'ሎ።

XS
SM
MD
LG