ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ተዛማዲ ሰላም ምስፋኑ ነበርቲ ገሊጾም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተዛማዲ ሰላም ምስፋኑ፣ ተቋሪጹ ዝነበረ ማሕበራዊ ርክባት ናብ ንቡር ይምለስ ከምዘሎ ነበርቲ ዞባ መተከልን ኣሚሽናን ገሊጾም።

ኮምሽነር ፖሊስ’ቲ ክልል ሃሩን ዑመር ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ደባይ ተዋጋእቲ፣ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ድሕሪ ዝኸተምዎ ውዕል፣ እቲ ክልል ድምጺ ተኹሲ ዘይስማዓሉን፣ ሞትን ምፍንቓልን ደው ዝበለሉ ኮይኑ ኣሎ" ይብል።

ኣቦ መንበር ጉህዴን ግራኝ ጉደታ ብወገኖም እቲ ዓሲሉ ዘሎ ተዛማዲ ሰላም፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ክልል ንዝርከቡ ልምዓታዊ ስራሓት ከምዘቐላጥፍ እምነቶም ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG