ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ቁጽሪ ዝተመዛበሉ 91,348 ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ቁጽሪ ዝተመዛበሉ ሰባት 91,348 ከምዝበጽሓ ኣመራርሓ ኮሚሽን ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ ለገስቲ አካላትን ሕብረተሰብን ነቶም ካብቲ ክልል ዝተመዛበሉ ንክንሕግዙ ሓቲቶም ኣለው።

ብኻልእ ወገን ካብ ዞባ ኮማሸ ዝተመዛበሉ ሰባት ብዘይካ ካብ ህዝቢ ነቀምቴ ዝወሃቦም ደገፍ ካብ መንግስቲ ዝረኸብናዮ ነገር የለን ብምባል ብህጹጽ መፍትሒ ይወሃበና ኢሎም።

ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ነበርቲ ገለገለ ወረዳታት ኸአ ሕጽረት መግቢ ኣለና ይብሉ ኣለው።

ሰበ ስልጣን’ቲ ክልል ብወገኖም ሕቶ ተመዛበልቲ ንምምላስ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም ኣለው። ተመዛበልቲ ግን ጸገሞም እናገደደ ምበር ክመሓየሽ ኣይረኣናና ኢሎም።

XS
SM
MD
LG