ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 6 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ማእኸላይ ሞቃድሾ ኣልሸባብ ትማሊ ሰንበት 22 ጥሪ 2023 ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ'ታ ከተማ ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቀቲሎም ክብል ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ኣብ ጥቃ’ቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዝነበረ ህንፃ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምክያዱ ንኣርባዕተ ሰዓታት ጅሆ ምትሓዝን ተኹሲ ከም ዝተኸፍተ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ሳዲቅ ዱዲሸ ገሊፆም’ለዉ። “ሹዱሽተኦም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ሞይቶም’ለዉ ። ካብኣቶም እቶም ሓሙሽተ ኣብ እዋን’ቲ ተኹሲ ምልውዋጥ ዝሞቱ ክኾኑ ኸለዉ ሓደ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ፈጺሙ” ክብሉ እቶም ወሃቢ ቃል ንሪፖርተራት ገሊፆም’ለዉ።

ኣብ እዋን’ቲ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ሰላማውያን ሰባት’ዉን ምሟቶምን ብድሕሪኡ ኩነታት ናብ ንቡር ከም ዝተመልሰ ተገሊፁ’ሎ። ኹሎም ሰራሕተኛታት’ቲ ቤት ፅሕፈት ኸንቲባ ካብቲ መጥቃዕቲ ድሕኖም ክብል ፖሊስ ወሲኹ ገሊፁ’ሎ።

ምስ ኣልቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ሚሊሽያ ኣልሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።

XS
SM
MD
LG